News & Events
ፃውዒት ምዝገባ ንቅበላ መበል 27 ዙር ሓደሽቲ ተምሃሮ (22/12/2017 ዓ.ም) =======================
- 28 August 2025
- Posted by: kshs.academy
- Category: news
ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ኣብ መዛዘሚ ዘመነ ትምህርቲ 2017 ዓ.ም ናይ 8ይ ክፍሊ ክልላዊ ፈተና ካብ ዝወሰዱ ተምሃሮ ብምውድዳር ንዘመነ ትምህርቲ 2018 ዓ/ም 180 ሓደሽቲ ተምሃሮ ንምቕባል ኣብ ምድላው ከም ዝርከብ ከበስር ይፎቱ።
ስለ ዝኾነ
1) ኣብ ውሽጢ ትግራይ ብስሩዕ ፕሮግራም ተማሂርኩም ኣብ መዛዘሚ ዘመነ ትምህርቲ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝተውሃበ ናይ 8ይ ክፍሊ ክልላዊ ፈተና
እንተነኣሰ 80.00 ማእኸላይ ውፅኢት ዘመዝገኩም ኩሉኹም ተምሃሮ
ወይ
እንተነኣሰ 75.00 ማእኸላይ ውፅኢት ብምምዝጋብ ኣብ ቤት ትምህርትኹም ናይ 8ይ ክፍሊ ክልላዊ ፈተና ካብ ዝወሰዱ ጠቕላላ ተምሃሮ ብናይ 8ይ ክፍሊ ክልላዊ ፈተና ውፅኢትኩም መሰረት ካብ 1ይ – 5ይ ደረጃ ዝሓዝኩም ተምሃሮ
ከምኡ እውን ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ዘለዋ ክልላት ብስሩዕ ፕሮግራም ተማሂርኩም ኣብ መዛዘሚ ዘመነ ትምህርቲ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝተውሃበ ናይ 8ይ ክፍሊ ክልላዊ ፈተና እንተነኣሰ 80.00 ማእኸላይ ውፅኢት ዘመዝገኩምን ባዕልኹም ወይ ወለድኹም ኣብ ልምዓታዊ ንጥፈታት ማ.ል.ት ስለ ምስታፍኩም ዘመልክት ቅቡል መረዳእታ ከተተሓሕዙ እትኽእሉን
ናይ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ መእተዊ ፈተና ምውሳድ ከም እትኽእሉ እናፍለጥና፣ ድልየት ዘለኩም ተምሃሮ ካብ ሎሚ ዕለት 22/12/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ቀፂሉ ብዘሎ ናይ ጉግል መመዝገቢ ቅጥዒ (Google Form) ከተመልክቱ ንፅውዕ።
2) ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ቁ. 1 ብዘሎ መምርሒ መሰረት ኣብቲ ናይ ጉግል መመዝገቢ ቅጥዒ ምምዝጋብ ዘይክኣልኩም ተምሃሮ ድማ ዕለት 9 መስከረም 2018 ዓ.ም ካብ ሰዓት 2:30 – 10:30 ኣብ መፈተኒ ማእኸላት ብኣካል ተረኺብኩም ክትምዝገቡ ኣለኩም።
3) መእተዊ ፈተና ንምውሳድ ዝተመዝገብኩም ኩልኹም ተምሃሮ ኣብ ናይ ፈተና ዕለት ናይ ጣብያ ወይ ቤት ትምህርቲ መለለዪ መንነት ወይ ናይ 8ይ ክፍሊ ክልላዊ ፈተና መመዝገቢ ወረቐት ብምሓዝ ኣብ መፈተኒ ማእኸላት ተረኺብኩም ንኽትፍተኑ ነተሓሳስብ።
4) ኩሎም ተፈተንቲ ብዓውዲ ትምህርቲ ተፈጥሮ ሳይንስ ክመሃሩ ድልየት ዘለዎም ክኾኑ ይግባእ።
5) መመዝገብን መፈተንን ማእኸላት፥
ሽረ እንዳስላሰ (ኣብ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ደምቦስኮ)
ኣኵሱም (ኣብ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብርሃ ወ ኣፅበሃ)
ዓዲግራት (ኣብ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣግኣዚ)
ማይጨው (ኣብ ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጥላሁን ይግዛው)
መቐለ (ኣብ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ)
ኣዲስ ኣበባ (ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት፣ ኣድራሻ: ህንፃ ህድሞና፣ ቦሌ)
6) መእተዊ ፈተና ዝውሃበሉ ዕለት:- 10 መስከረም 2018 ዓ.ም ካብ ሰዓት 2:30 ጀሚሩ
7) ውፅኢት መእተዊ ፈተና ዕላዊ ዝግበረሉ ዕለት:- 22 መስከረም 2018 ዓ.ም
ትሕዝቶ መእተዊ ፈተና፥ ብናይ 7ይን 8ይን ክፍሊ ስርዓተ ትምህርቲ መሰረት ሳይንስ (ፊዚክስ፣ ከሚስትሪ፣ ስነ-ሂወት)፣ ሒሳብ፣ እንግሊዝኛን ኣፕቲትዩድን
ንተወሳኺ ሓበሬታ፥ ብቁፅርታት ስልኪ 0914262965/0943676834/0900323901 ኣብ ስራሕ ሰዓት ጥራሕ ምድዋል፣ ወይ ብኢመይል info@kshs.academy ምሕታት ይክኣል።

