ውፅኢት መበል 27 ዙር መእተዊ ፈተና ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ካብ ሎሚ (ዕለት 1 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም) ጀሚሩ ዕላዊ ተገይሩ ስለ ዘሎ: ተፈተንቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቤት ትምህርትና https://kshs.academy/result/ በዓል 6 ኣሃዝ ዝኾነ ናይ 8ይ ክፍሊ ክልላዊ መመዝገቢ ቁፅሮምን (Grade 8 Regional Examination Registration Number) ሽሞምን (First Name in English) ብምእታው ውፅኢቶም ምርኣይ ከም ዝኽእሉ እናሓበርና: ጥርዓን መቕረቢ እዋን ካብ ዕለት 3-5 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ካብ ሰዓት 3:00 – 9:00 ጥራሕ ምዃኑ ነፍልጥ። ጥርዓን ኣብ ቀፅሪ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ብኣካል ብምቕራብ ወይ ብቁፅርታት ስልኪ 0914262965/0943676834/0900323901 ብምድዋል ምቕራብ ይክኣል።
ናይ ኩሎም (385) ተፈተንቲ ደረጃን ናይ ዝሓለፉ ተምሃሮ ሽም ዝርዝርን ምስማዕ ጥርዓን ተፈተንቲ ድሕሪ ምዝዛሙ ዕለት 6 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ዕላዊ ክግበር እዩ።
ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ
1 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም