News & Events
ፃውዒት ምዝገባ ንመበል 26 ዙር ሓደሽቲ ተምሃሮ (05/05/2017 ዓ.ም)
- 14 January 2025
- Posted by: Kallamino Special Hischool
- Category: news
ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ማ.ል.ት) ናይ ነዊሕ እዋን ስትራቴጅያዊ ራእይ ኣቐሚጣ: ሕዳር 1990 ዓ/ም ቀዳማይ ዙር ተምሃሮ ብምቕባል ዘጣየሸቶ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ: ዛጊድ ልዕሊ 2,600 ተምሃሮ ኣብ 25 ዙር ዝተቐበለ ኮይኑ: ካብዚኦም ልዕሊ 1,700 ዝኾኑ ተምሃሮ ነበር ቓላሚኖ ካብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተመሪቖም ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃእን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስራሕ ሓላፍነት ተዋፊሮም ሞያዊ እጃሞም እናበርከቱ ይርከቡ። ብዙሓት ተምሃሮ ነበር ቓላሚኖ ብፍላይ ኣብ ዓውድታት ሕክምና፣ ሳይንስን ምርምርን፣ ምህንድስናን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጅን ተቖፂሮም ብምስራሕን ናይ ባዕሎም ትካላት መስሪቶም ዕድል ስራሕ ብምፍጣርን ሰፊሕ ተሳትፎ ይገብሩ ከም ዘለዉ መረዳእታታት የመልክቱ።
ማ.ል.ት ንቓላሚኖ ዝበለፀ ንምጥንኻርን ካብ ቓላሚኖ ዝረኸበቶ ናይ ነዊሕ እዋን ልምዲ ከም መበገሲ ወሲዳ ካልኦት 12 ፍሉያት 2ይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ንምጥያሽን ብሉፃት ተምሃሮ ትግራይ ብሉፅ ትምህርቲ ዝረኽብሉ ዕድል ናይ ምስፋሕ ዋኒን ቀዳምነት ሂባ እናሰርሐትሉ ትርከብ። ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን እትርከቡ ኣባላትን ደገፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ቀዳሞት ተምሃሮ ቓላሚኖን ካልኦት ኩሉኹም ፈተውቲ ልምዓት ትግራይን: ማሕበር ልምዓት ትግራይ “ተስፋ ሕውየት” ብዝብል ቴማ ቓላሚኖ ንምብዛሕ ዝዓለመ ዓብዪ ቴሌቶን ን 17 ጥሪ 2017 ዓ.ም እተሰናድእ ዘላ ምዃና ፈሊጥኩም: ኣብ ምህናፅ እተን ካልኦት 12 ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ክታምኩም ክተዕርፉ በዚ ኣጋጣሚ ብኽብሪ እናፀዋዕና፣ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2017 ዓ.ም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 8ይ ክፍሊ ክልላዊ ፈተና ካብ ዝወሰዱ ተምሃሮ ብምውድዳር ናይዚ ዓመት ተወሰኽቲ ካልኦት 60 ሓደሽቲ ተምሃሮ ንምቕባል ኣብ ምድላው ከም ዝርከብ ከነበስር ንፎቱ።
ብዙይ መሰረት ብስሩዕ ፕሮግራም ተማሂርኩም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝተውሃበ ናይ 8ይ ክፍሊ ክልላዊ ፈተና
1) እንተነኣሰ 85.00 ማእኸላይ ውፅኢት ዘመዝገኩም ኩሉኹም ተምሃሮ (ኣብ ስራሕ ብዝነበረ ነባር ረቛሒ መሰረት)
ወይ
2) እንተነኣሰ 80.00 ማእኸላይ ውፅኢት ብምምዝጋብ ኣብ ቤት ትምህርትኹም ናይ 8ይ ክፍሊ ክልላዊ ፈተና ካብ ዝወሰዱ ጠቕላላ ተምሃሮ ብናይ ክልላዊ ፈተና ውፅኢትኩም መሰረት ካብ 1ይ – 5ይ ደረጃ ዝሓዝኩም ተምሃሮ (ተሳትፎ ኣብያተ ትምህርቲ ንምዕባይ ዝተወሰኸ ሓዱሽ ረቛሒ)
ናይ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ መእተዊ ፈተና ንምውሳድ ዘብቅዕ ውፅኢት ብምምዝጋብኩም እንኳዕ ደስ በለኩም እናበልና፤ ቀፂሉ ቀሪቡ ብዘሎ ዝርዝር ሓበሬታ መሰረት ናይ ጣብያ ወይ ቤት ትምህርቲ መለለዪ መንነት ወይ ናይ 8ይ ክፍሊ ክልላዊ ፈተና መመዝገቢ ወረቐት ብምሓዝ ኣብ መፈተኒ ማእኸላት ተረኺብኩም ንኽትምዝገቡን ንኽትፍተኑን ንፅውዕ።
ዝርዝር ሓበሬታ
1. ተፈተንቲ ብዓውዲ ትምህርቲ ተፈጥሮ ሳይንስ ክመሃሩ ድሌት ዘለዎም ክኾኑ ይግባእ።
2. ምዝገባ ዝካየደሉ ዕለትን ሰዓትን፥ 9 ጥሪ 2017 ዓ.ም ካብ ሰዓት 2:30 – 10:30
3. መመዝገብን መፈተንን ማእኸላት፥
መቐለ (ኣብ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ)
ማይጨው (ኣብ ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጥላሁን ይግዛው)
ዓዲግራት (ኣብ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣግኣዚ)
ኣኵሱም (ኣብ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብርሃ ወ ኣፅበሃ)
ሽረ እንዳስላሰ (ኣብ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ደምቦስኮ)
4. መእተዊ ፈተና ዝውሃበሉ ዕለትን ሰዓትን:- 10 ጥሪ 2017 ዓ.ም ካብ ሰዓት 2:30 ጀሚሩ
5. ውፅኢት መእተዊ ፈተና ዕላዊ ዝግበረሉ ዕለት:- 19 ጥሪ 2017 ዓ.ም
6. ትሕዝቶ መእተዊ ፈተና፥ ብናይ 7ይን 8ይን ክፍሊ ስርዓተ ትምህርቲ መሰረት ሳይንስ (ፊዚክስ፣ ከሚስትሪ፣ ስነ-ሂወት)፣ ሒሳብ፣ እንግሊዝኛን ኣፕቲትዩድን
ንተወሳኺ ሓበሬታ፥ ብቁፅርታት ስልኪ 0914262965/0943676834/0914116302 ኣብ ስራሕ ሰዓት ጥራሕ ምድዋል፣ ወይ ብኢመይል info@kshs.academy ምሕታት ይክኣል።