ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም 120 ተምሃሮ ከም ዝተቐበልና ዝፍለጥ እንትኸውን: ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ካብ ዝፍተኑ ድማ ካልኦት ተወሰኽቲ 60 ተምሃሮ ከም እንቕበል ኣብቲ እዋን ኣፍሊጥና ምንባርና ዝዝከር እዩ። ብዙይ መሰረት ዕለት 10 ጥሪ 2017 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ መበል 26 ዙር መእተዊ ፈተና ካብ ዝተሳተፉ 446 ተምሃሮ ዝልዓለ ውፅኢት ብምምዝጋብ ናይ ዝሓለፉ ተምሃሮ ሽም ዝርዝር ቀፂሉ ቀሪቡ ኣሎ።
ስለ ዝኾነ ብቤት ትምህርትና ኣብ ዝተዳለወ መእተዊ ፈተና ካብ 1ይ ክሳብ መበል 60 ዘሎ ደረጃ ብምሓዝ ዝሓለፍኩም ተምሃሮ እንኳዕ ደስ በለኩም እናበልና ዕለት 25 ጥሪ 2017 ዓ/ም ናይ 7ይን 8ይን ክፍሊ ትራንስክሪፕት፣ ናይ 8ይ ክፍሊ ክልላዊ ፈተና ሰርቲፊኬት፣ ን9ይ ክፍሊ መምሃሪ ዝኸውን ናውቲ፣ ኣንሶላ፣ ኮቦርታ፣ ጨርቂ ትርኣስን ናይ ባዕልኹምን ናይ ዋሕስን ከክልተ ጉርዲ ፎቶግራፍን ብምሓዝ ምስ ወላዲ ወይ ዋሕስ ኣብ ቀፅሪ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምርቲ ቃላሚኖ ተረኺብኩም ንኽትምዝገቡ ነተሓሳሰብ።
ብተወሳኺ ሓፈሻዊ መግለፂ ሰኑይ 26 ጥሪ 2017 ዓ/ም ዝውሃብ ኮይኑ ስሩዕ ትምህርቲ ንሓደሽቲ 9ይ ክፍሊ ሰሉስ 27 ጥሪ 2017 ዓ/ም ዝጅመር ምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ።
ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምርቲ ቃላሚኖ
21 ጥሪ 2017 ዓ/ም